ራብዓይ ሓፈሻዊ ጉባኤን ህፁፅ ጉባኤን ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግዲን ኢንዳስትርን ሆርን ኣፍሪካ ተሳሊጡ።
ኣብቲ ጉባኤ ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግዲን ኢንዳስትርን ሆርን ኣፍሪካ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ስራሕቲ ልምዓት ሪል ስቴት ምጅማሩ ዕላዊ ኮይኑ እዩ።

ካልእ ኣብቲ ጉባኤ ክልተ ዓበይቲ ዉሳነታት ተወሲኑ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተወሰኑ ውሳነታት ህንፀት ሪልስቴት ንምቕፃል ካብ ባንኪ ልቓሕ ንምርካብን እዞም ዝስዕቡ 2 ወሰንቲ ነጥብታት ፀዲቖም ኣለው።
1️⃣ እቲ ዝተጀመረ ህንፀት ንምዝዛም 30 ምኢታዊ ህንፀት ፕሮጀክት ብምጥንቓቕ እቲ ዝተረፈ ፕሮጀክት ንምዝዛም ዘኽእል ካብ ባንኪ ወጋገን ልቓሕ ንምርካብን ብዓርሰ ዓቕሚ ዝተጀመረ ህንፀት ንምዝዛምን ክፍሊት ዘለኩም ቃል ዝኣተኹምዎ መጠን ኣክስዮን ከፊልኩም ዘይወዳእኹም፡ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ከፊልኩም ክትውድኡ ተወሰኑ ኣሎ።

2️⃣ ተወሳኺ ሼር ንእትደልዩ፦ ክፍሊት ንዝወዳእኹም ጥራሕ፤ ተወሳኺ ሼር ከተዕብዩ እንተደሊኹም ንሓደ ዓመት (ክሳብ ጥሪ 2019 ዓ/ም) ብዘይ ዝኾነ “ክፍሊት ግልጋሎት” ክትገዝኡ ትኽእሉ። (ካብዚ ጊዜ ንደሓር ግን 10% እናተወሰኸ ዝኽፈል ይኸውን ማለት እዩ)።

