ዉሳነ ጉባኤ ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ

መበል ራብዓይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤን ካልኣይ ህፁፅ ጉባኤን ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ክልተ ዓበዪቲን ወሰንቲን ዉሳነታት ኣፅዲቑ።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ 03 ጥሪ 2018 ዓ/ም ዝተሳለጠ መበል ራብዓይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤን ካልኣይ ህፁፅ ጉባኤን ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ክልተ ዓበዪቲን ወሰንቲን ዉሳነታት ኣፅዲቑ።

እቶም ውሳነታት ሓደ ማሕበር ኣክስዮን ሆርን ኣፍሪካ ዘሳልጦ ዘሎ ሪልስቴት ንምቕፃልን ብመሰረት ትልሚ ንምዝዛምን ካብ ባንኪ ልቓሕ ንምርካብ ዘኽእል ሰብ ኣክስዮን ዝተረፈ ክፍሊት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ማለት እውን ክሳብ 30 መጋቢት 2018 ዓ/ም ክኽፈል ወሲኑ።

ካልኣይ ድማ ተወሳኺ ሼር ንዝደልዩ ንሓደ ዓመት ማለት እውን ክሳብ 02 ጥሪ 2019 ዓ/ም ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ግልጋሎት ክገዝኡ ወሲኑ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ዝተሓበረ ዕለት ግና 10 ምኢታዊ ክፍሊት ግልጋሎት እናተወሰኸ ከምዝኽፈል ተወሲኑ።

መበል ራብዓይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤን ካልኣይ ህፁፅ ጉባኤን ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ባንክታትን ኣብ

ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ ጉባኤ ብድሙቕ ኣገባብ ተሳሊጡ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *